Flat Preloader Icon
5.00
(1 Rating)

ናይ ግላዊ ዕቤት ትምህርቲ

Wishlist Share
Share Course
Page Link
Share On Social Media

About Course

ዕቁር ዓቕምኻ እትፍትሸሉን ዕላማ ወቒዕካ ሕልምኻ እተግህደሉ ናይ ግላዊ ዕቤት ትህምርቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ። እዚ ስልጠና’ዚ ንኩሉ ህይወቱ ክልወጥ፣ ሸቶኡ ሃሪሙ ከኣ ዘዕግብ ናብራ ክነብር ዝደሊ ሰብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕቤት ንምምርግጋጽ ይኹን ናይ ስምዒት ብልሒኻ (Emotional Intelligence) ንምምሕያሽ ወይ ከኣ ሓድሽ ክእለት ንምምሃር ኣብዚ ስልጠና’ዚ ኩሉ ዘድሊየካ መሳርሒታት፣ ሜላታትን እኹል ኣፍልጦን ክትቀስም ኢኻ።

.

What Will You Learn?

  • ኣገዳስነት ግላዊ ዕቤት እንታይ'ዩ
  • ዝልውጠካ ሸቶ ናይ ህይወትካ ብኸመይ ምሕንጻጽ
  • ሓያልን ድኹምን ጎድንታትካ ብኸመይ ትፈልጥ
  • ስምዒትካ ምቁጽጻርን ምስ ሰባት ዘለካ ዝምድና ምምዕባልን
  • ግቡእ ምሕደራ ግዜን ኣፍራይነት ብኸመይ ተዕብን
  • ናይ ምዝርራብ ክእለት ብከመይ ተማዕብል
  • ብከመይ ጌርካ ብቀጻሊ ትመሃርን ዕቤትካ ተውሕስን
  • ናይ ህይወት ተልእኹን ራኢን ብኸምይ ተዳሉ

Course Content

መእተዊ

ኣገዳስነት ግላዊ ዕቤት
ወዲ ሰብ ምስዚ ብቕልጡፍ ዝሕበብ ዘሎ ናይ ዘመንና ህይወት እንተዘይተጓዒዙ ንድሕሪት ይተርፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ምንባር ውን ኣብ ጥርጥር'ዩ ዝኣቱ። ናይ ግላዊ ዕቤት ትምህርቲ ኣብ ኩሉ መድያት ናይ ህይውትካ፣ ማለት ጥዕና፣ ዝምድና፣ ገንዘብ፣ትምርቲ፣ ሞያ፣ ብምልዋጥ ኩሉ መድያዊ ዕቤት ከም እተምጽእ ዝገብር ትህምርቲ'ዩ። ኣብዚ መጀመርያ ምዕራፍ ናይዚ ዓቢን ኣገዳሲን ትምህርቲ፣ ኣገዳስነትን ጥቕሚን መስርሕን ግላዊ ዕቤት፣ ኣብዚ ስልጠና'ዚ ዘድልዩኻ ነገራት፣ ክትገብሮ ዘለካ ምድላዋትን፣ ክትቅርቦም ዘለካ መሳርሒታትን ብዝርዝር ክንርኢ ኢና።

ምዕራፍ ሓደ – ዝልውጠካ ሸቶ ምሕንጻጽ
ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክበጽሖ ዝደሊ ሸቶ ይሕንጽጽ'ዩ። ግን ካብቲ ዝትግበር እቲ ዘይትግበር ይበዝሕ። ስለምንታይ? እቶሕንጽጾም ሸቶታት SMART ( Specific, Measurable, Attainable, Relevant, and Time bound) ክኾኑ ይግባእ። እዚ ማለት፣ ንጹራት፣ ዝዕቀኑ፣ ከተተግብሮም ዘየጸግሙኻ፣ ምስ ዕላማኻ ዝኸዱ፣ ብግዜ ከኣ ዝዕቀኑ ክኾኑ ይግባእ። እዚ ምዕራፍ እዚ ከምይ ጌርካ ኢኻ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ዘማልእ ናይ ህይወት ሸቶ ትሕንጽጽ ክምልሶ እዩ።

ምዕራፍ ክልተ – ዘዐውተካ ልምዲ ምጥራይ
ሸቶኻ ኣብ ምትግባር ኣብ እትጎዓዘሉ ግዜ ጻዕሪ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፣ ኩሉ ዝጽዕር ሰብ ሸቶኡ ይወቕዕ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብ ዘይተድማዓሉ ነገር ምስራሕ ዋላ ብብዙሕ ጻዕሪ ይሰነ፣ ኣድካሚን ኣሰልቻዊን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ጻዕሪኻ ዝመጣጠን ውጽኢት ውን ኣይርከቦን'ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ፍሉይ ሓይልኻን ተውህቦኻን ምስ ትሰርሕ ስራሕካ ስሉጥ፣ መንፈስካ ሕጉስ ይኸውን፣ ዓቢ ውጺኢት ምምዛጋብ ዘሎ ተኽእሎ ከኣ ይዓቢ። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ከመይ ጌርካ ሓይልኻን ድኽመትካን ኣለሊኻ ኣብ ተድማዓሉ ዓውዲ ትሰርሕ ዝብል ኣርእስቲ ክትመሃር ኢኻ።

Earn a certificate

Add this certificate to your resume to demonstrate your skills & increase your chances of getting noticed.

selected template

Student Ratings & Reviews

5.0
Total 1 Rating
5
1 Rating
4
0 Rating
3
0 Rating
2
0 Rating
1
0 Rating
HD
12 months ago
Excellent 👌👍