መእተዊ
0/1
ኣገዳስነት ግላዊ ዕቤት
ወዲ ሰብ ምስዚ ብቕልጡፍ ዝሕበብ ዘሎ ናይ ዘመንና ህይወት እንተዘይተጓዒዙ ንድሕሪት ይተርፍ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ምንባር ውን ኣብ ጥርጥር'ዩ ዝኣቱ። ናይ ግላዊ ዕቤት ትምህርቲ ኣብ ኩሉ መድያት ናይ ህይውትካ፣ ማለት ጥዕና፣ ዝምድና፣ ገንዘብ፣ትምርቲ፣ ሞያ፣ ብምልዋጥ ኩሉ መድያዊ ዕቤት ከም እተምጽእ ዝገብር ትህምርቲ'ዩ። ኣብዚ መጀመርያ ምዕራፍ ናይዚ ዓቢን ኣገዳሲን ትምህርቲ፣ ኣገዳስነትን ጥቕሚን መስርሕን ግላዊ ዕቤት፣ ኣብዚ ስልጠና'ዚ ዘድልዩኻ ነገራት፣ ክትገብሮ ዘለካ ምድላዋትን፣ ክትቅርቦም ዘለካ መሳርሒታትን ብዝርዝር ክንርኢ ኢና።
0/4
ምዕራፍ ሓደ – ዝልውጠካ ሸቶ ምሕንጻጽ
ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክበጽሖ ዝደሊ ሸቶ ይሕንጽጽ'ዩ። ግን ካብቲ ዝትግበር እቲ ዘይትግበር ይበዝሕ። ስለምንታይ?
እቶሕንጽጾም ሸቶታት SMART ( Specific, Measurable, Attainable, Relevant, and Time bound) ክኾኑ ይግባእ። እዚ ማለት፣ ንጹራት፣ ዝዕቀኑ፣ ከተተግብሮም ዘየጸግሙኻ፣ ምስ ዕላማኻ ዝኸዱ፣ ብግዜ ከኣ ዝዕቀኑ ክኾኑ ይግባእ። እዚ ምዕራፍ እዚ ከምይ ጌርካ ኢኻ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ዘማልእ ናይ ህይወት ሸቶ ትሕንጽጽ ክምልሶ እዩ።
0/27
ምዕራፍ ክልተ – ዘዐውተካ ልምዲ ምጥራይ
ሸቶኻ ኣብ ምትግባር ኣብ እትጎዓዘሉ ግዜ ጻዕሪ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፣ ኩሉ ዝጽዕር ሰብ ሸቶኡ ይወቕዕ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብ ዘይተድማዓሉ ነገር ምስራሕ ዋላ ብብዙሕ ጻዕሪ ይሰነ፣ ኣድካሚን ኣሰልቻዊን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ጻዕሪኻ ዝመጣጠን ውጽኢት ውን ኣይርከቦን'ዩ።
ብኣንጻሩ ኣብ ፍሉይ ሓይልኻን ተውህቦኻን ምስ ትሰርሕ ስራሕካ ስሉጥ፣ መንፈስካ ሕጉስ ይኸውን፣ ዓቢ ውጺኢት ምምዛጋብ ዘሎ ተኽእሎ ከኣ ይዓቢ። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ከመይ ጌርካ ሓይልኻን ድኽመትካን ኣለሊኻ ኣብ ተድማዓሉ ዓውዲ ትሰርሕ ዝብል ኣርእስቲ ክትመሃር ኢኻ።
0/11