Flat Preloader Icon
Homeገለ ብዛዕባይ

ትምህርቲ፡ እንኮ መንገዲ ዓወት!

ሰላም! ናብዚ ዌብሳይት’ዚ ንመጀመርያ ግዜ ትመጹ ንዘለኹም፣ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል’የ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ዘጽናዕኩዎ ትምህርቲ ምሕደራ ፕሮጀክትስ ኮይኑ፣ ብዝያዳ ግን ከም ኢንተርፕርዩነርን፣ ብመንገዲ ሶሻል መዲኣ ከም ናይ ማሕበረሰብ ኣንቅሒን’የ ዝያዳ ዝነጥፍን ዝፍለጥን። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ናይ ህይወት ዝትንክፍ ትሕዝቶታት ብምድላው፣ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኻታተልቲ ረኺበ።
ብቐንዱ ከኣ ንሰባት ናብ ዝላዓለ ዕቤት ከብጽሖም ዝኽእል ዝተፈላለየ ዓይነት ስልጠናታት ይህብ።
ዝህቦ ዓይነት ስልጠናታት
ስምካን ጽልዋኻን ኣብ ሰባት ብምዕባይ፣ ብንቡር መንግዲ ሰሪሕካ ከትረኽቦ ዘይትኽእል ዕግበትን ፊናንስያዊ ዕቤትን እትጎናጸፈሉ ናይ ዮቱዩብ ትምህርቲ፣
ከምኡ ውን ኣብ ህይወትካ ብ ኩለመድያዊ ዕቤት ክትሰጋገር ዝገብር ናይ ግላዊ ዕቤት (Personal Development) ስልጠና፣
ተውህቦኻ ብምልላይ፣ ሾቶኻ ኣነጺርካ ሕልምኻ ክዉን ክትገብር ዝሕግዝ ናይ (Mentorship ) ኮርስ፣
ብተወሳኺ ነዊሕ ትሓልሞ ዝነብረካ ግን እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረካ ክትጅምሮ ዘይከኣልካ ናይ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ትምህርቲ
ናይ ወፍሪን ምህደራን ምኽሪ Business and Investment Consultation
ደጊመ ከምቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን “ እቲ ዝላዓለ መኽሰብ ዝርከቦ ነገር ፍልጠት ንምርከብ ዝግበር ወፍሪ’ዩ” ዝበሎ፣ ህይወትካ ንምቕያር እታ ዝበለጸት መዓልቲ ሕጂ’ያ፣ እታ ዝበለጸት ቦታ ከኣ እዚኣ’ያ ሞ፣ ጉዕዞኻን ሕጂን ኣብዛ ቦታ እዚኣን ጀምር። ሰናይ ናይ ዕቤት ጉዕዞ!

ንመሶብ ኣኪለ ፍሉይ ዝገብሮ

ግብራዊ ትምህርቲ

ኩሎም እትመሃሮም ኮርሳት ኣብ ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ተመኩሮ ናይ መምህርን ካልኦት ዕዉታት ሰባት ብተግባር ዝሓለፍዎ ተመኩሮ ዝተመርኮሱ’ዮም።

ፍሉይ ምኽሪ

ከም ትምህርትኻ ኣብ ዝመረጽካዮ ግዜ ምስ መምህር ተራኺብካ ፍሉይ ምኽሪ ትረኽበሉ

ናይ ቪድዮ ሌክቸራት

ናይ ብዙሓት ክኢላታት ኢድ ዝሓለፎ ኣብ ስቱድዮ ብግቡእ ዝተቐድሐ ቪድዮታት

ነጻ ትምህርቲ

ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ህይወት ዝምህር ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ትመሃሮ ትምህርቲ

ቀጥታዊ ትምህርቲ

ብዝመረጽካዮ ትምህርቲ መሰረት ሰሙናዊ ምስ መምህር ብቀጥታ እትራኸበሉ ትምህርቲ

ንኹሉ ሰብ ዝጥዕም

ኣብ ዝጥዕመካ ግዜ፣ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ኴንካ ክትመሃሮ ትኽእል
banner footer

ኣብዚ ተመዝገብ