ትምህርቲ፡ እንኮ መንገዲ ዓወት!
ሰላም! ናብዚ ዌብሳይት’ዚ ንመጀመርያ ግዜ ትመጹ ንዘለኹም፣ ኣኽሊሉ ሃብተሚካኤል’የ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ዘጽናዕኩዎ ትምህርቲ ምሕደራ ፕሮጀክትስ ኮይኑ፣ ብዝያዳ ግን ከም ኢንተርፕርዩነርን፣ ብመንገዲ ሶሻል መዲኣ ከም ናይ ማሕበረሰብ ኣንቅሒን’የ ዝያዳ ዝነጥፍን ዝፍለጥን። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ናይ ህይወት ዝትንክፍ ትሕዝቶታት ብምድላው፣ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኻታተልቲ ረኺበ።
ብቐንዱ ከኣ ንሰባት ናብ ዝላዓለ ዕቤት ከብጽሖም ዝኽእል ዝተፈላለየ ዓይነት ስልጠናታት ይህብ።
ዝህቦ ዓይነት ስልጠናታት
ስምካን ጽልዋኻን ኣብ ሰባት ብምዕባይ፣ ብንቡር መንግዲ ሰሪሕካ ከትረኽቦ ዘይትኽእል ዕግበትን ፊናንስያዊ ዕቤትን እትጎናጸፈሉ ናይ ዮቱዩብ ትምህርቲ፣
ከምኡ ውን ኣብ ህይወትካ ብ ኩለመድያዊ ዕቤት ክትሰጋገር ዝገብር ናይ ግላዊ ዕቤት (Personal Development) ስልጠና፣
ተውህቦኻ ብምልላይ፣ ሾቶኻ ኣነጺርካ ሕልምኻ ክዉን ክትገብር ዝሕግዝ ናይ (Mentorship ) ኮርስ፣
ብተወሳኺ ነዊሕ ትሓልሞ ዝነብረካ ግን እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘይነበረካ ክትጅምሮ ዘይከኣልካ ናይ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ትምህርቲ
ናይ ወፍሪን ምህደራን ምኽሪ Business and Investment Consultation
ደጊመ ከምቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን “ እቲ ዝላዓለ መኽሰብ ዝርከቦ ነገር ፍልጠት ንምርከብ ዝግበር ወፍሪ’ዩ” ዝበሎ፣ ህይወትካ ንምቕያር እታ ዝበለጸት መዓልቲ ሕጂ’ያ፣ እታ ዝበለጸት ቦታ ከኣ እዚኣ’ያ ሞ፣ ጉዕዞኻን ሕጂን ኣብዛ ቦታ እዚኣን ጀምር። ሰናይ ናይ ዕቤት ጉዕዞ!
